Fana: At a Speed of Life!

ክልተኣዊ መድረኽ ዘተ ኢትዮ ስዊድን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዊድን ሮበርት ራይድበርግ ዝተመርሐ ክልተኣዊ መድረኽ ዘተ ኢትዮ ስዊድን ተሳሊጡ።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ክልተኣዊ ርክባትን ምትሕብባር ልምዓትን ከምኡ እውን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ከባቢያዊ ጉዳያትን ኣድሂቡ ልውውጥ ሓሳብ ተገይሩ፡፡

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ፣ ምስ ሱዳን ዝተፈጠረ ውጥጥ ዶብ፣ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ከምኡ እውን 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ኢትዮጵያ ጉዳይ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብኣተሓባባራይነት ሕብረት ኣፍሪካ ንኽቕፅል ፅኑዕ ድሌት ከምዘለዋ ዝገልፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ተልዕሎም ሕቶታት ከምዝተመለሱን እናሰጎመቶ ትርከብ ምስ ብሄራዊ ረብሓኣ ዝፃባእ ከምዝኾነን ኣብሪሆም።

ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመንግስቲ እናቐረበ ከምዝኾ ብምሕባር፥ “ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝግበር ሓገዝ ግን እኹል ኣይኮነን” ኢሎም።

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዊድን ሮበርት ራይድበርግ ብግደኦም፥ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘበናት ዘቑፀረ ርክብ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ካብ ኣፍሪካ ኣብ ምትሕብባር ልምዓት ዘለዋ ርክብ ዝጀመረቶ ምስ ኢትዮጵያ ከምዝተጀመረ ኣዘኻኺሮም።

ስዊድን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ እናሳለጦ ዝርከብ ዝተመሓየሸ ተግባር ኣፍልጦ ከምትህብ፣ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ምስራሕ ከምዘድሊ፣ ውጥጥ ዶብን ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ብልዝብ ንኽፍታሕ ከምተበረታትዕ ምግላፆም ካብ ሚኒሰቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.