Fana: At a Speed of Life!

ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምዝተመሓየሸ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ ውፅኢታዊ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ፡፡

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተጋነነ ፀብፃብ እንተውፅእ ከምኡ እውን ግብፂ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ንቤት ምኽሪ ፀፅታ ስምዕታ እንትተቕርብ ሱዳን ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ከምዝበለት ተሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ዲፕሎማሲያዊን ክልተኣዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምምሕያሹ ዘመላኽት ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ኣመልኪቱ፡፡

ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ክልተኣዊን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምጥንኻር ብብርኪ መራሕቲን ሚኒስትራትን መርሃ ግብሪ ዑደት፣ ኣኼባታት ሓበራዊ ኮሚሽንን ዘተ ፖለቲካን ከምዘካየደት እውን ተገሊፁ።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ግብፂ ተካይዶ ዘፍርስ ምንቅስቓስ ንምምካትን ሰለስተኣዊ ድርድር ኣብ ካብ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ክወፅእ ዝግበር ምንቅስቓስ ንምፍሻል ኩለመዳይ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ክዝተሰርሑ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.