Fana: At a Speed of Life!

ክረምታዊ ዝናብ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ውሕጅ ከስዕብ ስለዝኽእል ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እናወቕዐ ዝርከብ ክረምታዊ ዝናብ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓደጋ ውሕጅ ከስዕብ ስለዝኽእል ቅድመ ጥንቓቐ ክግበር ከምዝግባእ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ተሓሳሲቡ።

ኤጀንሲ ብሄራዊ ሜትሮሎጂ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብዘውፅኦ ትምበያ መሰረት፥ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ጋምቤላ፣ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ኣምሓራን ከምኡ እውን ኣብ ማእኸላይን ምዕራብን ክልል ትግራይ፣ ክልል ደቡብን ስሩዕን ካብ ስሩዕ ንላዕሊን ዝናብ ክህለውም ኢዩ።

ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያ፣ ሶማሌ፣ ሲዳማን ደቡብን ምስ ምውሳኽ መጠን ዝናብ ተተሓሒዙ ሓደጋ ውሕጅ ከጋጥም ከምዝኽእል ተባሂሉ።

በብሄራዊ ሜትሮሎጂ ኤጀንሲ የአየር ትንበያ መሰረት በቀሪው የበልግ ወቅት ለጎርፍ ተጋላጭ የሆኑ አካባቢዎች መለየታቸውን የብሔራዊ አደጋ ስጋት ስራ አመራር ኮሚሽን አስታውቋል።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ሃረርጌ፣ ባሌ፣ ኣርሲ፣ ቦረና፣ ጉጂን ምዕራብ ጉጂን ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ክልል ሶማሌ፤ ኣብ ከባቢታት ሸበሌ፣ ኣፍዴር፣ ሊበን፣ ዶሎ፣ ፋፋን፣ ሲቲ፣ ዳዋ ሓደጋ ውሕጅ ክህሉ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ኣብ ክልል ደቡብ፤ ኣብ ከባቢታት ሃዲያ፣ ወላይታ፣ ጋሞ፣ ዳውሮ፣ ሰገን፣ ስልጤ፣ ጉራጌ ሓደጋ ውሕጅ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ንስግኣት ሓደጋ ውሕጅ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ጥንቃቐን እዋናዊን ሓበሬታ ተበፃሒ ምግባር ከምዝግባእ ምትሕስሳቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.