Fana: At a Speed of Life!

ክብደት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ጥንቃቐ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ – ምክትል ቀ/ሚ ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ኣተሓሳሳቢ እናኾነ ምምፅኡ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ጥንቃቐ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣተሓሳሲቦም።

ኮሚቴ ሚኒስትራት ምስ ኣማኻሪ ግብረ ሓይሊ ኮቪድ-19 ኣብ እዋናዊ ዝርገሐን ምክልኻልን ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብምትኳር ብምስሊ ዝተሓገዘ ዘተ ተኻይዱ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ካብ እዋን ናብ እዋን እናተስፋሕፈሐን ኣተሓሳሳቢነቱ እናወሰኸ ብምምፅኡ ምንቅስቓስ ፀረ-ኮቪድ19 ብትኹር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።

ኣባላት ኣማኻሪ ግብረ ሓይሊ ኮቪድ-19 ብግደኦም፥ እቲ ለበዳ ሕማም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ዝረአ ዝርገሐ ናይቑፅሪን ቅልጣፈን ሚዛኑ ኣዚዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሞንጎ ዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ እቲ 70 ሚኢታዊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኻኑ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ኣብታ ከተማ ዝርገሐ እቲ ሕማም ብዘተሓሳስብ መልክዑ እናወሰኸ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ተላባዲ ሕማም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ዝውሰን ከምዘይኮነ ዝገለፁ እቶም ኣባላት ኣማኻሪ ግብረ ሓይሊ፥ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ከባቢታት እውን ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ምምፅኡ ገሊፆም።

ሕብረተሰብ ናይ ጥንቃቐ ስጉምቲታት እንተይተዘናግዐ ተግባራዊ ክገብር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ብመሰረት ሙያዊ መብርሂ እቲ ግብረ ሓይሊ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ምርመራ ላቦራቶሪ ኮቪድ-19 ንኽጠናኸር፣ ነቲ ፀገም ዝምጥን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ተግባራዊ ንኽግበሩ፣ ከምኡ እውን ወለንታውያን መናእሰይ ስልጠና ተዋሂቡዎም ሕብረሰብ ናይ ምምሃር ስራሕ ንኽዋፈሩ ኮሚቴ ሚኒስትራት ኣንፈት ኣቐሚጡ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.