Fana: At a Speed of Life!

ክታበት ኮቪድ19 ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታው ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘተኮረ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ክታበት ኮቪድ19 ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታውን ንምክፍፋልን እናተገበረ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣድሂቡ ዘተ ተኻይዱ።

ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተጣየሸ ላዕለዋይ ሃገራዊ መተሓባበሪ ኮሚቴ ክታበት ኮቪድ19፥ እቲ ክታበት ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታውን ምክፍፋልን እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ሓፈሻዊ ምድላው ኢዩ ተዛቲዩ፡፡

ቀረብን ዝርገሐን ክታበት ኮቪድ-19 ኣመልኪቱ ብዝተሃቀነሉ ግቡእ ዝተሳለጡ ዝርዝር ተግባራትን ዝረርከበሉ ምድላው ብዝርዝር ከምዝቐረበን ከምዝገምገመን ተገሊፁ፡፡

እቲ ክታበት ፅሬቱ ብዝሓለወ መልክዑ ብተቖፃፀርቲ ኣካላት እናተተግበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ፣ ንክኽተቡ ዝተፈለዩ ኣካላት ብዝምልከትን ንማሕበረሰብ ኣድላዪ ግንዛበ ንምፍጣር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ቀሪቦም ምይይጥ ምስተገበረሎም፥ ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ረኺቦም ክስርሑ ዝግበኦም ጉዳያት ተፈሊዮም ብሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣንፈት ተዋሂቡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ካብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ካብ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያን፣ ሓለፍቲን ተወከልቲን ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ መሓዙት ትካላት ልምዓትን ምስታፎም ካብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.