Fana: At a Speed of Life!

ክኸፋፍሉናን ከዳኽሙናን ዝኽእሉ ሓሳባት ንደሓር ክነፅነሖም ይግባእ – ዶክተር ይልቃል ከፍያለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህዝቢ ኣምሓራ ክኸፋፍሉን ከዳኽሙን ዝኽእሉ ሓሳባት ንደሓር ብምባል ንባዕሉ ካብ ካልኦት ወራራት ክሕሉ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ክለል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፍያለ ኣገንዚቦም።

እቶም ርእሰ መምሕዳር ግብ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘብፀሖ ዕንወት ትዕዝብቲ ንዝገበሩ መራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን፥ ክሶም ብዛዕባ ዝተቛረፀሎም ኣመራርሓታት ህወሓት ኣልዒሎም።

“እቶም ኣመራርሓታት ንህዝቢ ኣምሓራ ፀላኢ ገይሮም ብምስኣል ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓማውቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት፣ ንብረትን ስነ- ልቦናን በደል ንኽበፅሖ ብምግባሮም ህዝቢ ብምፍታሕ እቶም ኣመራርሓታት ቅሬታ ክስመዖ ምኽኣሉ ሓቂ ኢዩ” ኢሎም።

ህዝቢ ኣምሓራ ብተኸታታሊ እናበፅሖ ዝነበረ በደል በዞም ሰባት ዝተሓንፀፀ ከምዝነበረ ኣይንርስዕን ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ይኹን እምበረ ሕዚ ከረአ ዘለዎን ጠቓሚ ዝኸውንን ምፍታሕን ዘይምፍታሕን እቶም ሰባት ዘይኮነስ ክኸፋፍሉናን ከዳኽሙናን ዝኽእሉ ሓሳባት ንደሓር ብምፅናሕ ኣብ ቀንዲ ዕላማና ትኹረት ክንገብር ይግባእ ኢሎም።

“ኣብ ምፍታሕን ዘይምፍታሕን እኒ ስብሓት ነጋ ትኹረት ገይርና ክንዳኸም ኢና፤ ንኻሊእ መጥቃዕቲ ክንቃላዕ ኢና” ብምባል እውን ኣገንዚቦም።

ብምዃኑ ድማ ከም ኣምሓሩ ኣብ ዝጠቅም መምርሒ ኣድህቦ ብምግባር ሓድነት ብምጥንኻር ክመፅ ንዝኽእል ዳግማይ ወራር ምስንዳእ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ብሃይለየሱስ ስዩም

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.