Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብህዝቢ ክምረፁ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብህዝቢ ከምዝምረፁን ሽመቶም በባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዝፀድቕን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ኣካቢት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ወይዘሮ እፀገነት መንግስቱ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ኣብ ምፅራሕ ኮሚሽነራት መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሳትፍ እንትኸውን፤ ካብ ሞንጎ ዝፅርሑ 14 ሕፁያት 11 ተመልሚሎም ብኣቕራብነት ኣፈ ጉባኤ በቲ ባይቶ ዝሽወሙሉ ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ ኣብሪሀን።

እቶም ኮሚሽነራት በቲ ባይቶ ካብ ዝተሸሙሉ ዕለት ጀሚሮም ንሰለስተ ዓመታት ዝፀንሕ እዋን ስራሕ ከምዝህልዎም ዝገለፃ እተን ኣካቢት፥ ከከም ኣድላይነቱ ፃንሒቶም ክናዋሕ ክዝኽእል ገሊፀን።

ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዛዕባ ድርድር ዝገልፅ ዝኾነ ዓይነት ትሕዝቶ ከምዘይተኻተተ እተን ኣካቢት ተዛሪበን።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ኣዋጅ ክሳብ ሕዚ ምርድዳእ ዘይተበፅሐሎምን ህልውና ኢትዮጵያ ዝፈታተኑን ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘካተተ ልዝብ ብምግባር ፀገማት ምፍታሕ ከምዝኾነ ኣመልኪተን።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ 2ይ ፍሉይ ኣኼቡኡ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብኣብዝሓ ድምፂ ምፅቑ ይፍለጥ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.