Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፖሊስ ሃረሪ ፀገም ዲሲፕሊን ኣብ ልዕሊ ዝነበሮም 81 ኣመራርሓን ኣባላትን ስጉምቲ ወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ሃረሪ ፀገም ዲሲፕሊን ኣብ ልዕሊ ዝነበሮም 81 ኣመራርሓን ኣባላትን ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።

ልዕልነት ሕጊ ተትተጓደለ ፍትሒ ንምንጋስ ዝስራሕ ዘሎ ተግባራት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል እቲ ኮሚሽን ን15 መዓልታት ዝፀንፀ ገምጋም ኣመራርሓን ኣባላትን ኣሳሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ነስሪ ዘከሪያ፥ ኣብቲ መድረኽ ብመንፅር ዲሲፕሊን፣ ስነ ምግባርን ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ገምጋም ኩሎም ኣመራርሓን ኣባላትን ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ብመንግስቲን ህዝብን ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብምጥቃም ንውልቀ ረብሐኦም እንትንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣመራርሓን ኣባላትን ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ገሊፆም።

በቲ ዝተገበረ ገምጋም ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ዘይተዋፅኡ ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነቶም ክለዓሉ ከምዝተገበረ ብምሕባር፥ 51 ኣባላት ፖሊስ ድማ ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ምግላፆም ኣብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.