Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ መልማሊ ሕፁይ ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ብዕሊ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ መልማሊ ሕፁይ ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ብዕሊ ስራሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ቀሲስ ታጋይ ታደለን ኣባላቶምን ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ኮሚቴ ብዕሊ ስራሕ ከምዝጀመረ ተዛሪቦም፡፡

ግልፂን መወዳደረ ብዝኾነ ኣካይዳ ሕፁያት ንምቕራብ ሕፁያት ዝጥቆመሉ ቅጥዒ (መለክዒ) ንመላእ ህዝቢ፣ ንትካላት ፖለቲካን ሲቪል ማሕበረሰብን ከምዝቐረበ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ኮሚቴ ጠቆምቲ ሓሬታ ኣብ ምሃብ ከይዲ ብጥንቃቐ ከስተውዕሉዎም ዝግብኡ መለክዒታት ዝተማለአ ቅጥዒ፣ ጥቆማ ኣቕረብቲ ዝኽተሉዎ መገዲ መቕረቢ ጥቆማን ጥቆማ ዝቐርበሉ ገደብ እዋንን እውን ዕላዊ ተገይሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 26 ጥቅምቲ ሸሞንተ ኣባላት ዘለዉዎ ሕፁይ ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መልማሊ ኮሚቴ ከምዝሰየሙ ይዝከር፡፡

ብመራኦል ከድር

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.