Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ብምዝታይ ኣንፈጥ ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ መዓልቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ሃገራዊን ጉዳያት ፓርቲን ኣድሂቡ ተዛቲዩ።

በቲ ፓርቲ ዘተ ተገይሩሎም ኣብ ድምዳመ ዝተበፅሐሎምን ዝተቐመጡ ኣንፈታትን ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ መግለፂኡ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝነበረ ሃገራዊ ለውጢ ዓወት፣ ፈተናን ተስፋን እናተፈራረቑ ብዓይነቱን ቅልጣፍኡን ብዝተፈለየ መልክዑ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ እናተሰጋገረ ይርከብ ኢሉ።

እቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ካብ ጭቆናን ኣምባገነንን ስርዓት ብምውፃ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምዕሳል ተስፋ ዝተርኣዩሎም ከምዝነበሩ እውን እቲ ፓርቲ ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ።

ብምኽንያት ብልሹው ኣሰራርሓ ዝተጓተቱ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ብንቑሕ ኣመራርሓ ክትትል ስለዝተገበረሎም ናብ ምዝዛም ምዕራፍ ከምዝተሰጋገሩ ዝገለፀ እቲ ፓርቲ፥ ካብ ኢኮኖሚያዊ ምዝሕሓል ምንቕቓሕ ናብ ዝተርኣየሉ ጉዕዞ ምዕባለ ከምዝተኣተወ እውን ገሊፁ።

ሃገራዊ ለውጢ ዘምፀኦ ተስፋን ዓወትን ከምዘሎ ኮይኑ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብብዙሓት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት እናተፈተነት ከምዝፀንሐት ኣብሪሁ።

ናይ ዘበናት ሕቶን ድሌትን ህዝቢ ዝኾነ ምዕሳል ዴሞክራሲ ንምትዕንቓፍ ብዙሓት ሓይሊታት ፃዕሪ እናገበሩ ከምዝፀንሑን ሕዚ እውን እናቐፀሉሉ ከምዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ፓርቲ፥ እቲ ሓሳቦም ንምዕዋትን ናይ ውልቀ ህርፋን ስልጣኖም ንምዕጋብን ድማ ሃገር ብምትርማስ ህዝቢ ናብ ለውጢ ከይግስግስ፣ ብለውጢ ተስፋ ንኽቖርፅ ብምግባር ብዝተዋደደ መልክዑ ንህዝቢ ናብ ሞት፣ ዕንወት ናውቲ እናቃልዑዎ ይርከቡ ኢሉ።

ይኹን እምበር እቲ ዘሓሰቡዎ ሃገር ናይ ምትርማስን ምብትታንን ዕላማ ሳላ ብብሱል ኣመራርሓ እቲ ለውጢ ክሳኸዐሎም ኣይከኣለን ኢሉ።

ፓርቲ ብልፅና ኣብ መግለፂኡ ሰብ ካብ ዝሰርሖም ፈተናታት ብተወሳኺ ከም ህልዊ ኩነታት ዓለም ዝቐየረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ዕስለ ኣምበጣን ሓደጋ ውሕጅን ዝበሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት እውን ነቲ ሃገራዊ ለውጢ ናብ ዝተሓላለኸን ኣፀጋሚን ኩነታት ከኣቱ ከምዝገበሩዎ ገሊፁ።

ይኹን እምበር ነዚ እውን እንተኾነ ንፈተና ናብ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ዝልውጥ ድሉውን ቅልጡፍን መልሲ ዝህብ ኣመራርሓ ስለዝተፈጠረ እቶም ሓደጋታት ኣብ ሕብረተሰብ ከስዕቡዎ ይኽሉ ዝነበረ ፅዕንቶ ምንካይ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሉ።

በቲ ዘኹርዕ ተግባር ድማ እቲ ፓርቲን መንግስቲን ንህዝቢ ኣብ ጎኑ ብምግባር ሃገርን ህዝቢን ናይ ምድሓን ተግባር ፈፂሞም ኢዮም ክብል ገሊፁ።

ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይን ሕፅረት ምግቢ ከየጋጥምን ንምግባር ኣብ እዋን ክራማት “ዝኾነ ይኹን መሬት ፆሙ ከየሓድር” ብዝብል መምርሒ ተንቀሳቒስና ኢና ዝበለ እቲ ፓርቲ፥ በዙይ መምርሒ ድማ ኣናእሽተይ ግራውቲ ገባራት ብኩታ ገጠምን ብመስመር ብምዝራእን 11 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ገሊፁ።

እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኣብ መግለፂኡ፥ ፓርቲ ብልፅግና ዝገተሙዎ ፈተናታት ናብ ውፅኢት ናይ ምቕያር ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣብ ኣፈፃፅማ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኣመስኪሩ ኢዩ ኢሉ።

ናይ ኩሎም ህዝቢታት ኢትዮጵጵያ ዓሸራን ተስፋን ዝዓረፈሉ ግድብ ካብ ልዑል ሓደጋ ብምውፃእ ብልዑል ሓላፍነት ናብ ስራሕ ክእቶ ስለዝተኻኣለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ከምዝተኻየደን ሓፈሻዊ ኣፈፃፅምኡ እውን እናተዛዘመ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

ድኽነት፣ ምዕራቕ መሬት፣ ምስፍሕፋሕ በረኻ ብምዕጋት ኩለመዳይ ምዕባለ ንምርግጋፅ ኢትዮጵያ ሓምለወይቲ ክትከውን ኢሉ ከምዝኣምን ዝገለፀ ፓርቲ ብልፅግና፥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሸራ ብገንዘብ ዘይትካእ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሕሉ፣ ዘላቒን ናይ ሓባር ምዕባለን ዘረጋግፂ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ዓመት “ቫይረስ ኮሮና እናተኸላኸልና ከባቢና ክነልምዕ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተመርሐ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሸራ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካል ኣብ ዓልም ኣብ ዓመት ካብ ዝጠፍእ ደኒ እቲ ሲሶ ኣብ ኢትዮጵያ ብምትካል ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊፁ።

እዚ ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓዊሱ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት 20 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካል መጠን ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ናብ 30 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ዋላ እኳ መብዛሕትኡ ኣመራርሓ ልኡኽቱኡ ብኣግባቡ ተገንዚቡ ህዝባዊ ውግንንኡ ብምርኣይ ብቖራፅት ዝሰርሐ ይኹን እምበር፤ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ዘይተዋፅኡን ምስ ሓይሊታት ጥፍኣት ዝተሓባበሩን ኣብ በቢብረኩ ዘለዉ ኣመራርሓታት ብምፅራይ እቲ ፓርቲ ጥንካርኡ ሒዙ ንኽቕፅል ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ ገሊፁ።

ኣብ ዝቕፅል እዋን ተኸታታሊ ዝኾነ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ከምዝስራሕ እውን ኣፍሊጡ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና፥ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋፅ፣ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል፣ ሃዋህው ዴሞክራሲ ንምስፋሕ፣ ሕውነት ህዝቢታት ንምጥንኻ፣ ዝተጀመሩ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ንምዝዛምን ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ዝተጀመረ ሃገር ለኸ ወፍሪ ንህዝቢ ብምስታፍ ናህሩ ሓሊዩ ንኽፍፀም ዝኽእሉ ኣንፈታት ኣቐሚጡ።

ብተወሳኺ ዜጋታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ እታ ሃገር ብሰላም ናይ ምንባር፣ ምስራሕ፣ ምንቅስቓስን መሰሉ ንኽሕሎ፣ ለውጢ ዘተዓናቕፉ ሓይሊታት ብዝፈጠሩዎም ፀገማት ዝተጎድኡን ዝተመዛበሉን ህዝቢታት ምትእስሳር ህዝቢታት ብዘጠናኽር መገዲ ብዘላቕነት ንምጥያሽን ካብ ፀገም ወፂም ናብ ንቡር ህይወቶም ዝምለሱሉ መገዲ ንኽዝርጋክ ኣንፈት ኣቐሚጡ ኢዩ።

እቲ ፈፃሚ ስራሕ ኣብ መግለፂኡ፥ “ንፈተና ናብ ጥንካረ ብምቕያር ምዕባለ ኢትዮጵያ ክነግህድ ኢና” ክብል ኣገንዚቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.