Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ኣንፈታት ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 መስከረም ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ኣንፈታት ኣቐሚጡ።
ምክትል ፕረዚዳንትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን እቲ ፓርቲ ኣደም ፋራህ፥ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኣፈፃፅማ መደባት 2015 ዓ.ም፣ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት፣ ኣንፈታት 2016 ዓ.ም ተዛቲዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ኣብ ኩነታት ሰላም፣ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሃገራዊ ኩነታትን ከምዝተላዘበ ተዛሪቦም።
ኣብ እዋን ምርጫ እቲ ፓርቲ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃልን ኣብ ፈላማይ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ዝተቐመጡ ኣንፈታትን ኣፈፃፅመኦም ብምግምጋም ኣብ 2016 ዓ.ም ዝፍፀሙ ኣንፈታት ትኹረት ተቐሚጡ ኢሎም።
ኣባላት እቲ ፓርቲ ሓበራዊ ኣረኣእያ ንክሕዙ ኣብ ምግባር ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ።
ዲሲፕሊን ኣመራርሓ ምምሕያሽ ከምዘርኣየን ዓም ምፍፃም እናጎልበተ ከምዝመፅአን ተዛሪቦም።
ትካልዊ ዓቕሚ እቲ ፓርቲ ኣብ ምጉልባት ልዑል ውፅኢት ከምዝተመዝገበን ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሓቢሮም።
ኣብ ህንፀት ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም።
ህዝቢ ንሓይልታት ፀፅታ ፌዴራል ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ ፀገማት ብምዝርራብን ዘተን ኣብ ምፍታሕ ጠመተ ተገይሩ ንክስራሕ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ተዛሪቦም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።
ብተወሳኺ ሕውነት ንክጉልብት፣ ሃገራዊ ዘተን ሽግግር ፍትሒን ንክዕወት ጠመተ ሂብካ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.