Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺ ንኽቕፅል ኣንፈት ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺ ንኽቕፅል ኣንፈት ኣቐሚጡ።

ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ፥ ኣብ እዋናዊን ሃገራዊን ጉዳይ ፀፅታን እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊን ኣድሂቡ ተዛቲዩ።

ብምዃኑራዕዳውያን ጉጅለታት ኣብ ዝተፋላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፈፀሙዎም መቕተልቲታት ኮኒኑ።

እቶም ጉጅለ ግብረ ራዕዳውያ ናይ ተስፋ ምቑራፅ መጥቃዕቲ እናፈፀሙ ዝርከቡ፤ እናተወሰደሎም ብዝርከብ ጥንኩር ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ብዝበፅሖም ክሳራ ከምዝኾነ እቲ ኮሚቴ ገምጊሙ።

እቲ ራዕዳውያን ናይ ምድምሰሳስ ስጉምቲን ምኅባር ሕጊን ቅድሚ ሕዚ ቤት ምኽሪ ፀፅታን ድሕንነትን ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኣንፈት ኣቐሚጡ።

እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኣብዚ ሕዚ እዋን፥ ተዛመድቲን ካልኦት ሃገራዊ ጉዳያትን ኣድሂቡ እናተዛተየ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.