Fana: At a Speed of Life!

ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮረና ክልል ትግራይ ተሃነፅቲ ብይቕሬታ ንምፍታሕ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮረና ክልል ትግራይ 23 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ውሳነ ቑፅሪ 005/2012 ካብ ዝተቐመጡ ረቛሕታት እንተነኣሰ ንሓዲኡ ዘማልኡ ተሃነፅቲ ብይቕሬታ ንኽፍትሑ ወሲኑ።

ብመሰረት እቲ ውሳነ፥ ሓደ ተሃናፂ ብይቕረታ ንምፍታሕ ሲዒቦም ካብ ዝተቐመጡ መማረፂ ረቛሕታት እንተነኣሰ ሓደ ረቛሒ ከማልእ ይግባእ።

ሀ. ብመሰረት ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሕግታት ዝተቐመጡ ረቛሕታት ይቅርታ ተፈቒዱሉ ብምኽንያት ምምሕዳራዊ ጉዳያት ከይተፈተሐ ዝፀንሐ ተሃናፂ፤

ለ. ኣብ ሕጊ ዝተቐመጡ ረቛሕታት ኣማሊኡ ሰነ 2012 ዓ.ም ብስሩዕ ይቕሬታ ክፍታሕ ዝኽእል ተሃናፂ፤

ሐ. ብለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብቐሊሉ ክጥቃዕ ዝኽእል ከቢድ ፀገም ጥዕና ዘለዎ፣ ብዕድመ ዝደፍአ፣ ከቢድ ጉድኣት ኣካል ዘለዎ፣ ነብሰፁር ወይ ህፃን ዝሓት ኣደ ኮይኖም ኣብ ስሩዕ መምርሒ ኣወሃህባ ይቕሬታ ተሃነፅቲ ዕርቂ ንዘየድልዮ ገበን ብቐጥታ፣ ዕርቂ ንዘድልዮ ገበን ድማ እንተተዓሪቓ ወይ እንተተዓሪቑ ዝብሉ ከም ዝኾኑ ኣብ ውሳነ ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮረና 005/2012 ተገሊፁ ኣሎ።

ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮረና ካብ ዝወሰኖም ካልኦት ጉዳያት፥ ኣብ ቤት ምኽርን ኣቢያተ ፍርዲን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ሓዊስካ ኣብ ግልጋሎት ወሃብቲ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፣ ቀዳምን ሰንበትን ከምኡ ውን ኣብ በዓላት ኣትዮም ንክሰርሑ ወሲኑ ኣሎ።

ብምዃኑ ድማ ውሳነ ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ቑፅሪ 006/2012 ኣብ ቑፅሪ 3 ከም ዝስዕብ ተቐሚጡ ኣሎ፤ “ኣብዚ ህፁፅ እዋን ኣገዳሲ ግልጋሎት ኣብ ዝህቡ መንግስታዊ ትካላት (ንቤት ምኽርን፣ ኣቢያተ ፍርዲን ሓዊሱ) ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ቀዳምን ሰንበትን ሓዊሱ ኣብ በዓላት እዋን ኣትዮም ንክሰርሑ የግደድ” ይብል።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.