Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ሽኮር ንመሰናድኢ ኣቑሑት መሐለዊ ፅሬት ዝውዕል እኹል ቴክኒካል ኣልኮል ምህላዉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ሽኮር ኢትዮጵያ ንመሰናድኢ ኣቑሑት መሐለዊ ፅሬት ዝውዕል ልዕሊ 3 ሚሊየን ሊትሮ “ቴክኒካል ኣልኮል” ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኮርፖሬሽን ሽኮር ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ እቲ ኣልኮል ኣብ ፋብካታት ሽኮር ፊንጫን መተሃራን ከምዝርከብ ኣብሪሁ።

እተን ፋብካታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መዓልቲ 100 ሺሕ ቴክኒካል ኣልኮል እናፍረያ ምዃነን ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ እቲ ኣልኮል ስግኣት ዓለም ንዝኾነ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዙ መሐለዊ ፅሬት ኣቑሑት ንምድላው ከምዝውዕል ገሊፁ።

ስለዝኾነ እኹል ቴክኒካል ኣልኮል ተኸዚኑ ከምዝርከብ ብምግላፅ፥ ምስ ሚኒስቴር ጥዕናን ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ፌዴሪኢ ብምዝርራብ ቅድሚ ሕዚ ይወስዳ ካብ ዝነበራ ትካላት ብተወሳኺ ሸውዓተ ትካላት ኣልኮል ንኽወስዳ ተፈቒዱ ኣሎ።

ቴክኒካል ኣልኮል፥ ንሳኒታይዘር፣ ደረቕን ፈሳሲን ሳሙና ከምኡ እውን ንመሕፀቢ “ሽንትቤት” ዝበሉ ከምእታወት የገልግል።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.