Fana: At a Speed of Life!

ኮቪድ-19 ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ልዕሊ 2 ሚሊየን 764 ሺሕን ምርመራ ላብራቶሪ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኮቪድ-19 ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ልዕሊ 2 ሚሊየን 764 ሺሕን ምርመራ ላብራቶሪ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢን ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ብሓባር ዘሰናድኡዎ ትኹረቱ ኣብ ኮቪድ-19 ዝገበረ ሃገር ለኸ ጉባኤ ምርምር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ እቲ ሃገር ለኸ ጉባኤ፥ ከይዲ ምክልኻል እቲ ለበዳ ፀገም ዝፈትሑ ምርምራት ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ዝተውፃእፅኡ ተመራመርቲ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከቕርቡ ኢዮም።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ 3 ሺሕን 329 ሰብ ሞያ ጥዕና ብቫይረስ ኮሮና እንትተሓዙ፥ 36 ዝኾኑ ህይወቶም ከምዝሓለፈን 170 ሰብ ሞያ ጥዕና በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ክትትል ሕክምና እናገበሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ጥንቃቐ ዘይተገበረሎም ምትእኽኻባት እናሰፍሑ ምምፀኦምን ኣብነት ክኾኑ ዝግበኦም ኣካላት ሓላፍነቶም ዘይምውፀኦምን እቲ ለበዳ ንምስፍሕፋሕ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣስቻለው ኣባይነህ፥ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ውሽጢ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ እቲ ለበዳ ክብፀሖ ይኽእል ካብ ዝነበረ ዝኸፍአ ጉድኣት ምንካይ ዝኸኣሉ ኢዮም ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዜጋታተን ካብ ዝመርመራ ሃገራት ሓንቲ ክትከውን ከምዝኸኣለት ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዶክተር ሙሉ ነጋ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከ ትካላት ትምህርቲን ስልጠናን ዝሰርሐኦ ስራሕቲ ዝበረታታዕ ውፅኢት ከምዘምፀኣ ብምፅሕ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እተን ትካላት ብፍላይ ኣብ መፅናዕቲን ምርምርን ኢሉ እውን ፀገም ፈታሕቲ ፈጠራታት ብምስራሕ እቲ ሕማም ኣብ ምክልኻል ሓገዝ ንኽገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ፈጠራ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክቐርቡ ኢዮ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.