Fana: At a Speed of Life!

ኲናት ኒውክሌር ካብ ክሌማዊ ለውጢ ዝኸፍአ ኣይኮነን – ኣንቶኒ ብሊንከን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኲናት ኒውክሌር ካብ ክሌማዊ ለውጢ ዝኸፍአ ኣይኮነን ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ትማሊ ኣብ መደብ ቴሌቪዥን 60 ደቒቕ ኣውስትራሊያ ቀሪቦም ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ዓለም እናተርኣ ዝመፅአ ክሌማዊ ለውጢ ዝዓበየ ፈተና እናኾነ ምምፅኡ ገሊፆም፡፡

“ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ንህይወት ደቂ ሰባት ዝፈታተኑ ጎንፂታት ኣለዉ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ይኹን እምበር ክሌማዊ ለውጢ ስግኣት ህልውና ህዝቢ ዓለም ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ምድሪ ኣውሮፓ ኣብ ሓምለ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ዝተመዘገበ እንትኸውን÷ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምልቃቕ ካርበን ንምንካይ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንኽውሰድ ፃውዒት ምቕራቡ ይዝከር፡፡

ቅድም ክብል ፍሉይ ልኡኽ ንብረት ኣየር ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ምልቃቕ ካርበን ንምንካይ ስርዓት ሕርሻ ዓለም ንክስተኻኸል ምሕታቶም ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.