Fana: At a Speed of Life!

ወራር መሬት ንምክልኻል ኣፈፃፅማ ካዳስተር ተግባራዊ ክግበር ኣለዎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መሰረተ ልምዓት ንምምላእን ዘይሕጋዊ ወራር መሬት ንምክልኻልን እቲ ኣመራርሓ ብኣግባብ ተሓታትነትን ኣፈፃፅማ ካዳስተር ብሓላፍነት ተግባራዊ ንክገብርን ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2014ን ኣብ ትልሚ 2015 ዓ/ምን ዘትዩ። ኣብቲ እዋን ዘተ ዘይሕጋዊ ወራር መሬት ንምክልኻል ስርዓት ምዝገባ መሬትን ካዳስተርን ተግባራዊ ክግበር ከምዘለዎ ከምዝተሰመረሉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ከምዝበልኦ፥ ኣብ ከተማታት ንዘጋጥሙ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕ፣ እቲ ኣመራርሓ ካብ ስርቂ ነፃ ብዝኾነ መንገዲ ሓደሽቲ ሓሳባት እናማዕበለ፤ ዘመናዊ ኣሰራርሓ እናዘርገሐን ብተወፋይነትን ብቕንዕናን ሓላፍነቱ ንክፍፅም ኣተሓሳሲቦም።

ሓላፊ ሲቪክ ፓርቲ ብልፅግናን ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሚኒስትር ዶ/ር ኣለሙ ስሜ ብግደኦም፡- ኣብ እዋን መረፃ ንሕብረተሰብ ዝኣተዎ ቃል ከይረስዐ እቲ ኣመራርሓ ንሕቶ ዜጋታት ብቕልጡፍ መልሲ ክህብ ሓቲቶም። ነዚ ድማ እቲ ውድብ ኣብ ጎኖም ምዃኑ ኣረጋጊፁ። ሚኒስተር ዲኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣይተ ፋንታ ደጀን ብወገኖም፡ እቲ ሚኒስቴር ፖሊሲታት፡ ኣዋጃት፡ ደንቢታት፡ መምርሒታት፡ ክትትልን ደገፍን፡ ከምኡ’ውን ስልጠናታት ህንጸት ዓቕሚ ንምፍጻም ብመሰረት ዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፍነትን እጃሙ ንከወፍይን ክልላት ድማ ብመሰረት ዝተዋህበ ስልጣንን ሓላፍነትን ንክሰርሓን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.