Fana: At a Speed of Life!

ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዳግም ከምዝተርኣየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዳግም ከምዝተርኣየ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገፀርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ባልዓት እቲ ቢሮ ኣይተ መብራህቶም ገብረኪዳን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፥ እቲ ወራር ዕስላ ኣምበጣ ካብ ዕለተ ዓርቢ 29 ጥሪ 2012 ዓ.ም ምሸት ጀሚሩ ብኣንፈት ክልል ኣምሓራ ኣቢሉ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ዞባ ከምዝኣተወ ገሊፆም።

ዕቲ ዕስለ ኣምበጣ ብፍላይ ልምዓት መስኖ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ይኹን ንቐለብ እንስሳ ኣብ ዘገልግሉ ሳዕርታትን እፅዋትን ሓደጋ ከብፅሕ ከምዝኽእል ዝሓበሩ ኣይተ መብራህቶም፥ እቲ ሓበሬታ ንኹሉ ሕብረተሰብ ክበፅሖ ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።

ብመሰረት እዚ ጉድኣት ቅድሚ ምብፅሑ ንምክልኻልን ንምጥፋእን ዘኽእል ምርብራብ ይግበር ምህላዉ ኣረዲኦም።

እቲ ተራእዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንኽጠፍእ ድማ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተርኣየ ዝተዋደደ ርብርብ መኸተ ብምድጋም ኩሉ ሕብረተሰብ ሓላፍነቱ ንኽፍፅም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.