Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ ከቢድ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣንፀላልዩዋ ኣሎ-ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ከቢድ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣንፀላልዩ ከምዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ ዕስለ መበገሲኡ ካብ ከባቢታት ዓፋር እንትኾን ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ድማ መእተዊ በርታት ብምዃን ብዝኸፍአ መገዲ ተቓላዕቲ ኮይነን ኣለዋ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ትሽዓንተ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ፣ ሓሙሽተ ወረዳታት ዞባ ደቡብን ሰለስተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ምብራቕን ብድምሩ ኣብ 17 ወረዳታት ዝተርኣየ እንትኾን ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዝኸፍአ ጉድኣት ንከይበፅሕ ዝሓሸ ምንቅስቓስ እናተገበረ ይርከብ በምባል ኣብሪሁ።

ይኹን እምበር በቢከባቢኡ ዝግበሩ ዘለዉ ምክልኻላት ህፁፅነት ዝጎድሎምን ምዝንጋዓት ዝርኣየሎምን እዮም ኢሉ እቲ መግለፂ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ትግራይ ከቢድ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣንፀላልዩዋ ኣሎ። እቲ ዕስለ መበገሲኡ ካብ ከባቢታት ዓፋር እንትኾን ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ድማ መእተዊ በርታት ስለዝኾና ብዝኸፍአ መንገዲ ተቓላዕቲ ኮይነን ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ትሽዓንተ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ፣ ሓሙሽተ ወረዳታት ዞባ ደቡብን ሰለስተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ምብራቕን ብድምሩ ኣብ 17 ወረዳታት ዝተርኣየ እንትኾን ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዝኸፍአ ጉድኣት ንከይበፅሕ ዝሓሸ ምንቅስቓስ እናተገበረ ይርከብ።

ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ከቢድ ፈተና ንምምካት እውን ብብርኪ ክልል ብፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምራሕን ብርኽት ዝበላ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዝሳተፋሉን ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ስርሑ ጀሚሩ እዩ። ካብ ዞባ ክሳብ ጣብያ ተመሳሳሊ ውዳበታት ብምፍጣር ልዑል ርብርብ ንምግባር ዘኽእል ኣንፈት ተነፂሩ ኣሎ።

ይኹን እምበር በቢከባቢኡ ዝግበሩ ዘለዉ ምክልኻላት ህፁፅነት ዝጎድሎምን ምዝንጋዓት ዝርኣየሎምን እዮም። ስለዝኾነ ህዝብን በቢከባቢኡ ዝርከብ ምምሕዳርን ቀፂሉ ክመፅእ ዝኽእል ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ከብፅሖ ዝኽእል ጥፍኣት ንምምካት ብዝበለፀ ተወዲቦምን ተጠናኺሮምን ክሰርሑ ግድን ኮይኑ ኣሎ።

ሕዚ ብዘሎ ሓበሬታ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሓያል ዕስለ ኣሎ። ኣብዚ ክልተ መዓልታት ናባና ዘይመፅኣሉ ድማ ብናይ ንፋስ ኣንፈት ምኽንያት እዩ። ይኹን እምበር ናይ ንፋስ ኣንፈት ተኸቲሉ ኣብ መዓልታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ስዓታት ናብ ትግራይ ክኣቱ ይኽእል እዩ። ንጉሆ ዘይተርኣየሎም ከባቢታ ድሕሪ ቀትሪ ብሓያል ዕስለ ክውረሩ ይኽእሉ እዮም። ነዚ መሰረት ብምግባር ኩሉ ህዝብና ብፍላይ ድማ ምስ ዓፋር ዝዋሰኑ ዞባታት፣ ወረዳታትን ጣብያታትን ልዑል ጥንቃቐ ክግብሩ ይግባእ። ኣብዘን ከባቢታት ዘሎ መሪሕነት በብእዋኑ ፅፉፍ ሓበሬታ ክእክብን ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከይበፅሕ ተወዲቡ ክመርሕን ኣለዎ።

መዋስንቲ ወረዳታት በቢእዋኑ ሓበሬታ እናተለዋወጣን እናተደጋገፋን ክምክታ ትፅቢት ይግበር። ምምሕዳር ገጠራትን ከተማታትን እውን ብተመሳሳሊ እናተደጋግፉ ክሰርሑ ይግባእ።

መላእ ህዝብና ብዘለውዎ ውዳበታት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዝበፅሕ ጉድኣት ከይህሉ ከባቢኡ ብልዑል ጥንቃቐ ክሕሉ ኣለዎ። ብፍላይ ውዳበታት መናእስይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ዕዙዝ ግዴ ክፃወቱ ኣለዎም፡፡

ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ኣንፈታቱ ናይ ምቅይያር ባህርያት ስለዘለዎ ናብ ሓደ ከባቢ እንተኣትዩ እናተመላለሰ ጉድኣት ናይ ምብፃሕ ተኽእሎ ዘለዎ እዩ። እዚ ድማ ናይ ምክኻል ስራሕትና ኣዝዩ ፈታኒ ይገብሮ ኣሎ።

እዚ ዕስለ ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራሕ ተወሲኑ ክተርፍ ስለዘይኽእል ብቐጥታ ምስ ክልል ዓፋር ዘይዋሰኑ ዞባታትና እውን ተመሳሳሊ ጥንቃቐ ክገብሩን ንምክልኻል ዘኽእሎም ውዳበታት ፈጢሮም ክፀንሑን ኣንፈት ተነፂሩ ኣሎ።

እኹል መጠን ዝናብ ኣብ ዘይብሉ ክራማት እተን ዝርካበን ዝራእትና ብኣንበጣ እንተተበሊዐን ኣብ ትግራይ ክበፅሕ ዝኽእል ሓደጋ ኣመና ከቢድ እዩ። ዝበዝሕ ህዝብና ናይ ሓገዝ ተፀባያይ ኣብ ዝኾነሉን ተመዛባላይ ወገንና ናብ መረቤቱ ኣብ ዘይተመልሰሉን፤ ሕዚ ድማ እተን ዝርካበትን ዝራእቲ ብኣንበጣ እንተተጎዲአን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ እዩ። ስለዘኾነ ኩሉ ህዝብናን በብብርኩ ዝርከብ መሪሕነትናን ብሓደ ገፅ ነዚ ዕስለ ብልዑል ጥንቃቐ እናመከተ በቲ ካልእ መዳይ ከዓ ጥብ ዝበለት ማይ ከይትባኽን ብዝተወደበ መንገዲ ክሰርሕ ይግባእ።

ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.