Fana: At a Speed of Life!

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ኣብታ ዓዲ ተነቢሩ ዝፀንሐ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣልዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ቅድሚ ሽዱሽተ  ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ተነቢሩ ዝፀንሐ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣልዒሉ።

ኣብ ሱዳን እቲ ፕሬዚዳንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምልዓሎም፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2019 ኣብ መንጐ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ ናይ ስልጣን ምምርቓሕ ስምምዕ ከም ዝተገብረ ይዝከር።

ይኹን እንበር ብ27 ጥቅምቲ 2021 ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቦም፥ ኣብ መንጐ ሲቪላውያን መራሕቲ ብዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ወተሃደራውያን መራሕቲ ዕልዋ ከካይዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቦም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ሰራዊት ሱዳን ንመሰጋገሪ መንግስቲ’ታ ሃገር ብምፍራስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ንዝርከብዎም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ብምእታውን ነቲ ቤት ምኽሪ ብምፍራስ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ።

ሐዚ ድማ ገዛኢ ቤት ምኽሪ ፀጥታን ምክልኻልን እታ ሃገር እቲ ኣዋጅ ከምዝተልዓለ ኣፍሊጡ።

እቲ ስጕምቲ ንዘተ ምቹው ሃዋህው ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.