Fana: At a Speed of Life!

ወተሃደራዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወተሃደራዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ጉጅለ ልኡኾም ብምዃን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ተመሊሶም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ፃንሒቶም፥ ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ደቡብ ኣፍሪካ ታንዲ ሞዲሴ፣ ዋና ኣዛዚ ምክልኻል ሰራዊት ጄነራል ሩድዛኒ ማፍዋንያ፣ ዋና ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየርን ፍሉይ ሓይሊን፣ ኣብ ኣፅዋር ኲናትን ቴክኖሎጂን ምስ ዝተዋፈሩ ኣመራርሓ ኩባኒያታት ዘቲዮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ቃልሲ ፀረ ኣፓርታይድ ንተጋደልቲን ኣመራርሓን ነፃነት ደቡብ ኣፍሪካ ስልጠናን ደገፍን ከምዝገበረት ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ልውውጣት ልምዲን ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም።

ዋና ኣዛዚ ምክልኻል ሰራዊት ደቡብ ኣፍሪካ ጄነራል ሩድዛኒ ማፍዋንያ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ፈላሚን ፓን አፍሪካኒዝም፣ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአት፣ ካልኦት ኣፍሪካዊያን ናፃ ንክወፅኡ ሓገዝ ዝገበረት ሃገር ኢያ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.