Fana: At a Speed of Life!

ወታደራዊት ኣውሮፕላን ኣሜሪካ ኣብ ምዕራብ ጃፓን ከምዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓንቲ ወታደራዊት ኣውሮፕላን ኣሜሪካ ኣብ ምዕራብ ጃፓን ጠረፍ ባሕሪ ደሴት ያኩሺማ  ከምዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ።

እቲ ኩነታት ስዒቡ ሓለውቲ ጠረፍ ባሕሪ ጃፓን ኣብቲ ቦታ ትዕዝብቲ መርከባትን ኣውሮፕላናትን ከምዝተለኣኻ ዲፌንስ ብሎግ ፀብፂቡ፡፡

ፍልፍላት ሚኒስቴር ምክልኻል ጃፓን ከምዝገለፁዎ÷ “ሲቪ-22 ኦስፕሬይ” እናተብሃለት ትፍለጥ ኣውሮፕላን ቅድሚ ምሕምምሻሻ ጃፓን ኣብ ጦር ሰፈር ኣሜሪካ ዮኮታ ሸሞንተ ሰባት ኣሳፊራ ነይራ፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሓይሊታት ጦር ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዝተፈጠረ ኩነታት ሓበሬታ እናኣከቡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.