Fana: At a Speed of Life!

ወታደራዊ ኣመራርሓ ጋቦን ስልጣን መንግስቲ ከምዝተቖፃፀረ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወታደራዊ ኣመራርሓ ጋቦን ስልጣን መንግስቲ ብዕሊ ከምዝተቖፃፀረ ኣፍሊጡ።

እቲ ዕልዋ መንግስቲ ቅድሚ ምክያዱ ብደቑቓታት ኣቐዲሙ ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር፥ ፕሬዚዳንት ኣሊ ቦንጎ ኣብቲ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ 64 ነጥቢ 27 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ንሳልሳይ ዘበን ስልጣን ከምዝተመረፁ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ጋቦን 24 ብዝተብሃለ ብሄራዊ ጣቢያ ቴሌቪዥን ዝቐረቡ 12 ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት፥ ፕሬዚዳንት ኣሊ ቦንጎ ዳግም ተዓዊቶምሉ ዝተብሃለ ውፅኢት መረፃ ምስራዞም ኣፍሊጦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ማእኸላዊ መንግስቲ ጋቦን፣ ቤት ምኽሪ መወሰኒ ሕጊ፣ ህገ-መንግስታዊ ቤት ፍርዲን ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገርን ብዕሊ ምፍራሶም ኣዊጆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፕሬዚዳንት ኣሊ ቦንጎ ‘ኣብ ማእሰርቲ ውሽጢ ገዛ’ ከምዝርከቡ እቶም ወታደራዊ ኣመራርሓታት ምግላፆም ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.