Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ኣወሃህባ ግልጋሎት መናሃሪያታት ተዓዚበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ኣብ መናሃሪያታት ዘሎ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ኮቪድ-19 ንምክልኻል ይስርሑ ዘለዉ ስራሕቲን ዑደት ኣካይደን።

እተን ሚኒስትር፥ ኣብ መናሃርያታት ኣስኮ፣ መርካቶን ኣየር ጤናን ተረኺበን ኣወሃህባ ግልጋሎት እቶም መናሃርያታት ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ተዘዋዊረን ተዓዚበን።

ኣብቲ ዝበገረኦ ዑደት ንተገልገልቲ፣ ሹፌራትን ካልኦትን ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ብዛዕባ ዝገብሩዎም ጥንቃቐታትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ብዝምልከት ከምዘዘራረባ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንምፍፃም ዝወፅአ ድንጋገ፥ ኮሚቴ ሚኒስትራት ዘፈር ትራንስፖርት መምርሒ ኣውፂኡ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.