Fana: At a Speed of Life!

ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ከተማታት ዘሎ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጉንበቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘሎ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣገንዚበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዘዓለመ ባንኪ መንበሪ ኣባይቲ ሰላም፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ዕላዊ ኮይኑ፡፡

እተን ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ኢትዮጵያውያን እንተነኣሰ ዝተሓተ ብርኪ ፅሬት ዘማልኡ መንበሪ ኣባይቲ ከምድሊዮም ኢዩ፡፡

በቢእዋኑ እናወሰኸ ዝመፅአ ዋጋ ኽራይ ገዛ፥ ማእኸላይ እቶት ንዘለዎም ብፍላይ ተቖፂሮም ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ፈታኒ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ድሌት መንበሪ ኣባይቲ ኣዚዩ ልዑል ብምዃኑ፥ ኣብ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ዝሰርሑ ከም ባንኪ ሰላም ዝበሉ ብዙሓት ትካላት ከምዘድሊዩ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ 100 ሺሕ ኣባይቲ ንምህናፅ ዝተለመ እቲ ባንኪ፥ ኣብ ትሑትን ማእኸላይን መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ማእኸል ንኽገብር እውን ፀዊዐን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.