Fana: At a Speed of Life!

ውሕመ ኣብ 2024 ዕቤት ቁጣበዊ ሃፍቲ ዓለም ናብ 2 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ከምዝወርድ ተንብዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ዕቤት ቁጣበዊ ሃፍቲ ዓለም ናብ 2 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ከምዝወርድ ትንያ ኣቐሚጡ።

ውሕመ ትንበያኡ ዕላዊ ዝገበረ ኣብ 2024 ኩነታትን ተስፋን ቁጠባዊ ሃፍቲ ዓለም ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ከም ትንበያ ፀብፃብ÷ ቁጣበዊ ሃፍቲ ዓለም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ተሓሲቡ ካብ ዝነበረ 2 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ዕቤት ኣብዚ ተታሒዙ ዘሎ 2024 ናብ 2 ነጥቢ 4 ትሕት ከምዝብል አእንፊቱ፡፡

እዚ ድማ ኣብ እዋን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝነበሮ ዕቤት ብ3 ሚኢታዊ ዝነኣሰ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ 2024 ዓለም ለኸ ማእኸላይ መጠን ዝቕባበ 3 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ከምዝኸውን እውን ተገሊፁ፡፡

ኣብ እናማዕበላ ዝርከባ ሃገራት ድማ መጠን ዝቕባበ እዚ ዓመት ልዕሊ 10 ሚኢታዊ ከምዝኸውን ምግላፁ ዘ ኬብል ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.