Fana: At a Speed of Life!

ውሳነታት መበል 24 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘሳለጦ መበል 24 ስሩዕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ምስ መንግስቲ ጣሊያን ኣብ ዝተፈረሙ ስምምዕነታት ልቓሕ 56 ሚሊየን ዩሮ ኣድሂቡ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ እቲ ልቓሕ መዓልኡ ብዝምልከት ዘቲዩ።

ብመሰረት እዚ 10 ሚሊየን ዩሮ ንምምሕያሽ ከይዲ ቡና ንዝተሰናድአ ፕሮጀክት መፈፀሚ፣ 22 ሚሊየን ዩሮ ኣብ ከባቢታት ገፀር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ክብ ንምባልን ዓውዲ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ንምድጋፍን፣ 24 ሚሊየን ዩሮ ድማ ኣብ ተፋሰሳት ኣዋሽን ዋቢ ሸበሌን ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ማይን ስርዓት ምምሕዳርን ንምዝርጋሕ ከምዝውዕል ርእዩ።

ብመሰረት እዚ ካብ ወለድ ናፃ ምዃኑ፣ ኣብ 30 ዓመታት ዝኽፈል ምዃኑን ምስ ፖሊሲ ልቓሕ እዛ ሃገር ከምዝጠዓዓምን ብመርግጋፅ ነቲ ስምምዕነት ብሙሉእ ድምፂ ብምቕባል ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ወሲኑ።

ብተመሳሳሊ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተፈረመ  ስምምዐነታት ልቓሕ 250 ሚሊየን  ዶላርን 50 ሚሊየን ዶላርን ኣሜሪካ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ክልቲኦም ስምምዕነታት ምቕባል ትሑት እቶት ንዘለዎም ኣብ ገፀር ዝነብሩ ክፋላት ማሕበረሰብ ቀረብ ምምሕያሽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተበፃሒ ከምዝገብር ተዛቲዮ።

እቶም ልቓሓት ካብ ወለድ ናፃ ምዃኖም፣ ኣብ 38 ዓመት ተኸፊሎም ዝዛዘሙ ምዃኖምን ወዘተ ብምዝታይ ንክፀድቁ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ወሲኑ።

ብተወሳኺ ርክብ ወፃኢ ንምስላጥ ዓሊሞም ዝቐረቡ ኣጀንዳታት ዝረኣየ እንትኸውን፥ ምስ ፌዴሬሽን መነግስቲ ሩሲያ ብወታደራዊ-ቴክኒካል ምትሕብባር እዋን ንዝርከቡ ኣእምሯዊ ውፅኢታት ፈጠራ ስራሕ ሓለዋ ንምግባር ዝተፈረሙ ስምምዐነታት እቲ ቤት ምኽሪ ዘቲዩ።

እቲ ስምምዕነት መትከላት ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ብምግባር ዝተፈረመ ከምዝኾነ ብምርግጋፅ ብሙሉእ ድምፂ ተቐቢሉ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቕ ኣመሓላሊፉዎ።

ኣብ መጣየሺ ስምምዕነት ኤጀንሲ መድሓኒታት ኣፍሪካ፣ ምስ መንግስቲ ሊባኖስ ኣብ ዓውዲ ምውፋር ስራሕ ዝተገበረ ስምምዕ፣  ዲፕሎማቲክ ፓስፖርት መንግስታት ህንዲን ደቡብ ኮሪያን ንዝሓዙ ሰባት ቪዛ ብዛዕባ መትራፍ ዝተገበረ ክልቲኣዊ ስምምዕነት፣ ምስ መንግስቲ ፓኪስታን ዝተፈረመ ስምምዕነት ንግዲ ብዝምልከት እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ እቶም ስምምዕነታት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቁ ብሙሉእ ድምፂ ውሳነ ሂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.