Fana: At a Speed of Life!

ውዕሊ ስምምዕነት መበል 13 ዙር ዕፃ ዝወፅአሎም መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ክትዕ ወሰን ዘለዎም ኣየካትትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውዕሊ ስምምዕነት መበል 13 ዙር ዕፃ ዝወፅአሎም መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ክትዕ ወሰን ዘለዎም ከምዘየካትት ተገሊፁ።

ዕፃ ወፂኡሎም ብመሰረት ዝተፈላለዩ ውልቃዊ ምኽንያታት ውዕሊ ከይፈረሙ ዝፀንሑ ዕድለኛታት፥ ኣብዚ ሰሙን ስነ-ስርዓት ምፍራም ውዕሊ ይሳለጥ ኣሎ።

ይኹን እምበር እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ወሰን ናይ ምክላል ሕቶ ዝተልዓለሉ ኣባይቲ ከምዘየካትት ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቶም ሕቶ ወሰን ዝተልዓለሎም መንበሪ ሓባር ኣባይቲ፥ ብመንግስቲ ፌዴራል ብዝተጣየሸ ኮሚቴ፣ ብክልል ኦሮሚያን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣቢሎም ይረኣዩ ከምዘለዉ እውን ተገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.