Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ኣብ ኣፍሪካ ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ንኽኽፈታ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል መድሕን ህፃናትን ኣብ ኣፍሪካ ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ንኽኽፈታ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ትካላት ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣቢያተ ትምህርቲ ምዕፃው ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘስዕብ ገሊፆም።

መንግስታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከይስፋሕፋሕ ፅሬት ምሕላው ዘኽእል መዕሩይ ሃዋህው ክፈጥሩ ከምዝግበኦም እውን ኣተሓሳሲቦም።

ተምሃሮ ንነዊሕ እዋን ኣብ ውሽጢ ገዛ እንትፀንሑ ንሕፅረት ምግቢ፣ ንመጥቃዕቲ ውሽጢ ገዛን ኣብ ዘይዕድመ ክፍጠር ንዝኽእል ጥንሲ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ እውን ገሊፆም።

ኣብ ኣፍሪካ ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ንህፃናት “ዘሐሻ ቦታታት” ኢየን ክብሉ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ኣፍሪካ ማትሺዲሶ ተዛሪቦም።

ክሳብ ሕዚ ሽዱሽተሃገራት ኣፍሪካ ጥራሕ ሙሉእ ብሙሉእ ቤት ትምህርቲ ዝኸፈታ እንትኾና፥ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት ዝተኸፈታ ኣቢያተ ትምህርቲ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ እቲ ለበዳ ዳግም ንኽዕፀዋ ተገዲደን ኢየን።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.