Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ጎብለላት ፋና ላምሮት ፅባሕ ፍፃምኡ ክረክብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)3ይ ዙር ውድድር ጎብለላት ድምፃውያን ፋና ላምሮት ፅባሕ ፍፃምኡ ክረክብ ኢዩ።

ኣብዚ ዓመት ብሰለስተ ምዕራፋት ብዓወት ዝዛዘሙ 12ተወዳደርቲ ብፍሉይ ኩነታት ዝተኻተቱ ክልተ ተናሓናሕቲ ብሓፈሻ 14 ተወዳደርቲ ን10 ሰሙናት እናተናሓንሑ ፀኒሖም ኢዮም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣርባዕተ ወዳደርቲ ዝተፈለዩ እንትኾኑ÷ ፅባሕ ተዓዋታይ 1 ሚሊየን ብር ንምዃን ክነሓንሑ ኢዮም፡፡

ደሳለኝ ኣበበ፣ ኣሉላ ገ/ኣምላክ፣ ዳንኤል ኣዱኛን ያለምወርቅ ጀምበሩን ኣርባዕቲኦም ተወዳደርቲ ድምፃውያን ኢዮም፡፡

ብዙሓት ተመልከትቲን ውሩያት ኣርቲስታትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብቀጥታ ፈነወ ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃም ድማ ተዓዋታይ ክፍለ ኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.