Fana: At a Speed of Life!

ዑደት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ዘሎ ርክብ ናብ ምትሕብባር ምምፅኡ ዘርእይ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዑደት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ዘሎ ርክብ ናብ ምትሕብባር ምምፅኡ ዘርእይ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ መራሄ መንግስቲ ጀርማን ኦላፍ ሹልዝ ምስ ሰብ ሃፍትን ሰብዋና ትካላት ንግዲን ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብሩ ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ፃንሒቶም፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምዝዛተዩ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ሰብ ሃፍቲን ሓለፍቲ ትካላት ንግዲን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብምዕዛብ ሃፍቶም ኢንቨስት ንምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ክስርሑ ኢዮም ኢሎም።

መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደትን ዝተገበሩ ስምምዐነታትን ልዑል ትርጉም ዘለዎም ሓበራዊ ተረባሕነት ተሓሳቢ ዝገበሩ ኢዮም ኢሎም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.