Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ግዕዝይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ግዕዝይና ብብርኪ ዓለም ንመበል 16 ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 15 ጊዘ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ ብርሃኑ ፀጋዬ፣ ኮሚሽነር ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ኣይተ ኣየልኝ ሙሉኣለም፣ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ፖለቲከኛታት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ፍሉጣት ውልቀ ሰባት፣ ስነ-ጥበባውያንን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ረኺቦም።

መዓልቲ ፀረ ግዕዝይና እዚ ዓመት፥ “ፅቡቕ ስነ ምግባር ብምህናፅ፣ ግዕዝይና ብምቅላስ፣ ዘላቒ ስላምን ልምዓትን ነረጋግፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ምቅላስ ፀረ ግዕዝይና መርኣያ ዝኾኑ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ንመጀመርታ ግዘ መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦ ከምዝካየድ ትገሊፁ።

“ኣብ ምቅላስ ግዕዝይና ግደ መዳርግቲ ኣካላት፣ ዘለዉ ማሕለኻታትን መፍትሒኦምን” ዝብል መባእታዊ ፅሑፍ ብምሁር ዩኒቨርሲቱ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ዳኛቸው አሰፋ ከምዝቐርብ እውን ተገሊፁ።

ከም ሓበሬታ ዓለም ለኸ ፎረም ኢኮኖሚ እንተኾይኑ፥ በቢዓመቱ ብጉቦን ስርቂን ጥራሕ ዝፍፀም ግዕዝይና ልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ተሪሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ኢኮኖሚ ዓለም ጉድኣት ከምዝበፅሕ ኢዩ።

ኣብ ኣፍሪካ ልዕሊ 50 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝሕባእ እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ምስ ዕድጊትን ካልኦት ዓውዲታት ግልጋሎትን ተታሓሒዙ ልዕሊ ብር 35 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብግዕዝይና ከምዝባኽን ተሓቢሩ።

እቲ ብግዕዝይና ዝባኽን ሃፍቲ ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ግልጋሎ እንተዝውዕል፥ ህይወት 43 ሚኢታዊ ዝኾኑ ድኻታት ህዝቢ ዓለም ክቕይር ከምዝኽእል መፅናዕቲታት ይሕብሩ

ፍልፍል፦ ግዜኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.