Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ምስ ጭቡጥ ኩነታት ከተማታትና ኣጠዓዒምና ክንሰርሕ ኢና – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ምስ ጭቡጥ ኩነታት ብምጥዕዓም ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ ምችውቲን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪት ንምግባርን ብዝለዓለ ትግሃት ምግልጋልና ክንቀፅል ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ብከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቻይና ዝተፈላለዩ ከተማታት ዑደት ስራሕ እናገበረ ይርከብ፡፡

እቲ ልኡኽ ኣብ ሻንጋይ ዑደት ድሕሪ ምግባሩ ምስ ከንቲባ እታ ከተማ ጎንግ ዜንግ ከምዝዘተየ እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣፍሊጠን፡፡

ዝተገበረ ዘተ ስዒቡ ድማ ኣብ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ቱሪዝም፣ ፈጠራ ቴክኖሎጂን ስግግርን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ጉዳያት ብሓባር ብምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እውን ገሊፀን፡፡

ማኔጅመንት ትራንስፖርት፣ ፈጠራ ቴክኖሎጂ፣ ግልጋሎት ሙዚየም፣ ማእኸል ምሕደራ ረሳሕን ግልሎታት ሎጂስቲክን ከተማ ሻንጋይ ዑደት ከምዝተገበረሎም ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ዑደቶም ድማ ንከተማታት ኢትዮጵያ ዝጠቕሙ ሓሳባትን ልምዲታትን ከምዝረኸቡ ገሊፀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.