Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ትካላት ድልየት ደቡባዊ ክፋል ዓለም ዘተኣናግድ ሓቃዊ ምምሕያሽ ክገብሩ ኣለዎም – ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካላት ድልየት ደቡባዊ ክፋል ዓለም ዘተኣናግድ ሓቃዊ ምምሕያሽ ክገብሩ ኣለዎም ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ጉባኤ መንግስታትን መራሕቲን ጉጅለ 77ንን ቻይናን ኣብ ኩባ ከተማ ሃቫና ይሳለጥ ኣሎ።

ኣይተ ደመቀ፥ ብተናፀል ዝንበሩ ማዕቐባትን ሓይሊ መሰረት ዝገበሩ ስጉምቲታት ኢኮኖሚን፣ ለውጢታት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ልምዓትን ዘተዓናቕፉ ኢዮም ኢሎም።

ኣብ መድረኽ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ሽግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ምስላጥ ምህዞ ክብ ንምባልን ንትግበራ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓትን ወሰንቲ ኢዮ ኢሎም።

ኢትዮጵያ እትትግብሮ ዘላ ስትራቴጂ ዲጂታል ሰፊሕ ማሕበረሰብ ተረባሒ ዝገብርን ኩለ መዳይ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምፍጣር ራእይ ዘስንቕን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ስትራቴጂ ኣብ ምትግባር ዘተባብዕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ መግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.