Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ጉባኤ ምልክት ቋንቋ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 15 ዓለም ለኸ ጉባኤ ምልክት ቋንቋ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ጋር ብምትሕብባር ኣብ ዝቕፅል ዓመት ዓለም ለኸ ጉባኤ ምልክት ቋንቋ ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ንምስንዳእ ስምምዕነት ተፈራሪሙ፡፡

እቲ ስምምዕነ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)ንተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) ተፈራሪሞምዎ፡፡

ብመሰረት እዚ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምልክት ቋንቋ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 6 ክሳብ 9 ጥር 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ምስ ብሄራዊ ማሕበር ምስማዕ ዝተሳእኖምን መሓዙት ትካላትን ብምትሕብባር እቲ ጉባኤ ንምክያድ ምድላው ከምዝጀመረ ኤርጎጌ (ዶ/ር) ኣብሪሀን።

ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ስም ኢትዮጵያ ክብ ዘብሉን ምትእስሳር ሃገራት ንምጥንኻር ዘኽእሉ ተግባራት እቲ ዩኒቨርሲቲ እናሰርሐ ምዃኑ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.