Fana: At a Speed of Life!

ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ብዝለዓለ ድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ብዝለዓለ ድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ሃይማኖታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምኽባር ናብ ከተማ ኣክሱም ዝኸዱ ኣጋይሽ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣቀባብላ ይግበረሎም ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ብዝለዓለ ድምቀት ሎሚ መዓልቲ ዝኽበር ዘሎ ሃይማኖታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምስታፍ ናብ ከተማታት ሽረን ዓድዋን ብዘዉፅኡ ክልተ መገዲታት ኣቢሎም ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ስነስርዓት ምሕፃብ እግሪ ተኻይዱሎም ኢዩ።

እቲ ስነስርዓት ካብ ቀደም ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሕፅበት ድማ ናብዚ ዝተቐደሰ ስፍራ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ብኽብሪ ተቐቢልካ ኣኽቢርካ ምስናይ ከምዝኾነ ይግለፅ።

እቶም ኣጋይሽ ድሕሪ እግሮም ምሕፃብ ንከዕርፉሎም ተባሂሉ ናብ ዝተሰርሑ ዳሳት ኣምሪሖም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል ሓዊሱ፥ ብርክት ዝበሉ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶቶክስ ሃይማኖት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ወፃኢ ዓዲን  ዝመፅኡ ኣጋይሽ ኣብቲ በዓል ተረኺቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.