Fana: At a Speed of Life!

ዓቃቤ ሕጊ ኣይተ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 7 ውልቀ ሰባት ዘቕረቦ ክሲ ንክመሓየሽ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቃቤ ሕጊ ኣይተ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 7 ውልቀ ሰባት ዘቕረቦ ክሲ ንክመሓየሽ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ሂቡ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ ምድብ ቀዳማይ መጋባእያ ገበን ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ፀረ ግብረ ራዕዲን፥ ዓቃቤ ሕጊ ቅድመ ሐዚ ዝመስረቶ ክሲ ኣብ ሓፈሻዊ ውሕስና ዝርዝር ክሲ ብምርኣይ ውሳነ ንምሃብ እቲ ክሲ ክመሓየሽ ይግባእ ክብል ኢዩ ኣዚዙ።

ዓቃቤ ሕጊ ዘመሓይሾ 23ን 24ን ሰነ 2012 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን በፂሑ ዝተብሃለ ጉድኣት ተፈሊዩ ንክቐርብ፣ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ቦትኡ ኣበይ ከምዝኾነ፣ ኣበይ ክፍለ ከተማን ወረዳን፣ ክንደይ ሰዓት ዝብሉ ክግለፅ ኣለዉ ዝበለ እቲ ቤት ፍርዲ፥ እቲ ቦታ ድሕሪ ምፍላጡ ተሳትፎ ገበን እቶም ተኸሰስቲ ብዝርዝር ተፈሊዩ ንክቐርብ ኣዚዙ።

ብመሰረት እዚ ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ክሱ ኣመሓይሹ ንክቐረብ ንንጎሆ 19 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ መጋባእያ ንክቐርብ ኣዚዙ።

ኣብቲ መጋባእያ ዝተረኸቡ ናይ እኒ ኣይተ እስክንድር ነጋ ኣርባዕተ ጠበቓታት፥ ቤት ህንፀት ምስ ቤተ ሰብ ኣየራኽቦምን ዘሎ፣ ምግብን ኣልባሳትን ኣይኣትዎምን ዘሎ ክብሉ ቅርታ/ኣቤቱታ ኣቕሪቦም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ መዝገብ ክሲ እኒ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ነበር ሰራሕተኛታት ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ኣብ ዝተኸሰሱሉ፥ ብኣዋጅ ካብ ዝተውሃቦም ስልጣን ወፃእ ሰባት ብምሓዝን ብምእሳርን ስልጣን ብዘይኣግባብ ምግልጋል ገበን ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ጀሚሩዎ ዝነበረ ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ምስክር ናይ ምስማዕ ከይዲ ቀፂሉ ኢዩ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.