Fana: At a Speed of Life!

ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብነፅነት ናይ ምልማዕ መሰላ ተርኢየሉ ፕሮጀክት ኢዩ – ዶ/ር ኢንጂነር ስለሺ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፤ ኢትዮጵያ ብነፅነት ናይ ምልማዕ መሰላ ተርኢየሉ ፕሮጀክት ስለዝኾነ ኢትዮጵያውያን ሓበራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ክህልዎን ብሓባር ጠጠው ብምባል ኣብ ጫፍ ከብፁሑዎ ከምዝግባእ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ምስ ምትሕብባር ንግድብ ህዳሰ ካናዳ ብምትሕብባር ዘተ መርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ።

ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓድነትን ምርድዳእን ክህልዎን ብሓባር ጠጠው ብምባል ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ጫፍ ከብፀሖን ከምኡ እውን ኣምባሳደር እቲ ግድብ ብምዃን ኣብ ምፍላጥ ፍትሓዊ ተረባሕነትን መሰልን ሃገሩ ክረባረብ ይግባእ።

ሓላፊ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣይተ ለማ ዋቀዮ፥ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ዕድጊት ብዝምልከት ዳያስፖራ ምቹው ዝኾነን ማሕለኻታት ቢሮክራሲ ብዘቃልል መልክዑ ዝተዳለዉ መገዲታት መዐደጊ ቦንድ ገለፃ ምግባሮም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ናሲሴ ጫሊ ብግደአን፥ ህይወት ኢትዮጵያውያን ዝቕይር ግድብ ስለዝኾነ፤ ኩሉ ተረባሪቡ ክዛዝሞ ከምዝግባእን ኩሉ ብፍልጠት፣ ፅዕንቶ ብምሕዳር፣ ብገንዘብ ብጉልበት ከምኡ እውን ብዘለዎ ዓቕሚ ኣስተዋፅኦ ብምግባር ኣሰሩ ንኸንብር ኣተሓሳሲበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.