Fana: At a Speed of Life!

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣርማ ናፅነት ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣርማ ናፅነት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ኣባላት ቦርድ ህንፀት ግድብ ህዳሰን ሓለፍቲ ስራሕ ፕሮጀክትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዝቐረበ ፀብፃብ ኢዩ።

ኣብቲ ፀብፃብ ኣብዚ ዓመት ብዝተሰርሐ ጠንካራ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ካብ ምፍፃሙ ንላዕሊ ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮጀክት 75 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ንምልዋጥ ምስ ኢትዮጵያውያን ካብ ዝተደመረ ፃዕሪ ወፃእ ካሊእ ኣማራፂ ከምዘየለ ዝተርኣየሉ ኢዩ ኢሎም።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብባዕዳዊ ሓይሊ ዘይተገዝአት ሃገር ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣብ ኣፍሪካ ናፃ ኮይና ምቕፃላ ዘረጋገፅናሉ ፕሮጀክት እውን ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዝህሉ ስራሕቲ ምዕዋት ትኹረት ምግባር የድሊ እውን ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዕንቅፋት ዝፈጥር ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ይኹን ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ደው ከምዝበለ ኢዩ ዝቑፀር ኢሎም።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.