Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ካራማራ ሉኣላዊነት ንምኽባር ዋጋ ዝተኸፈለሉ ዓብዪ ዓወት ኢዩ – ነበር ኣባላት ጦር ሰራዊት

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ካራማራ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ ንምኽባር ዋጋ ዝተኸፈለሉ ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ ነበር ኣባላት ጦር ሰራዊት ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያውያን ካብ ዓወት ዓድዋ ጀሚሩ በቢዘበናቱ ኣብ ክብሪን ሉኣላዊነትን ሃገሮም ዘይደራደሩ ከምዝኾኑ ብተግባር ካብ ዘረጋገፁሎም ታሪኻዊ ኣጋጣሚታት ሓደ ካራማራ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።

ክብሪን ጅግንነትን ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ እውን ከምዝቐፀለ ብምግላፅ÷ “ካብ ሃገር ሓሊፉ ዘብዒ ሰላም ኣፍሪካ ብምዃኑ ናይ ኩልና ኩርዓት ኢዩ” ኢሎም።

ዓወት ካራማራ ኢትዮጵያውያን ንወራሪ ሓይሊ ከመዘይምብርከኹ ዘረጋገፁሉ ከምዝኾነ ንግዜኢ ገሊፆም፡፡

26 ለካቲት 1970 ዓ.ም ጀጋኑ ኢትዮጵያ ንወራሪ ጦር ዚያድ ኣብ ካራማራ ዝሰዓሩሉን ሰዓራይነት ኢትዮጵያ ዝተኣወጀሉን ታሪኻዊ ዕለት ሎሚ ዘበን 46 ዓመት ኮይኑዎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.