Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ዓድዋ ክብረ በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ ፍልፍል ሰዓራይነትን ተበግሶን ኢዩ – ወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ዓድዋ ክብረ በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ ፍልፍል ሰዓራይነትን ተበግሶን ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር እዚ ዝበላ መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቱ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተሰናድአ መድረኸ ዘተ ኢዩ።

ዓድዋ ንለውጢና ናይ ሓባር ዓወትና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተዳለወ ዓለም ለኸ መድረኽ፥ ኣምባሳደራት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

መኽፈቲ መደረ ዘስመዓ ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ ቅድሚ 125 ዓመት ተስፋሕፋሕቲ ባዕዳዊ ወረርቲን ኣብ ዓድዋ ዝተሰዓሩሉ ዓወት ተመዝጊቡ ኢዩ ኢለን።

“ፀለምቲ ንናፅነት ዝገብሩዎ ቃልሲ መበገሲ ዝኾነ ዓወት ዓድዋ፤ ክብረ በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ ፍልፍል ሓድነትናን ተምሳሌት ተዓዋታይነትናን ኢዩ” ክብላ ገሊፀን።

ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምክትል ኣቦ መንበር ኬዌሲ ኳርቲ ብግደአን፥ ዓወት ዓድዋ ንመላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ተምሳሌት ናፅነት ከምዝኾነን ንኣፍሪካውያን ኢሉ እውን ናብ መላእ ዓለም ክባፃሕ ከምዝግባእን ኣገንዚበን።

ሕዚ እውን ጥንክርቲ ኣፍሪካ ንምምስራት ጥንኩር ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ምትእስሳር ከምዘድሊ እውን ተዛሪበን።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.