Fana: At a Speed of Life!

ዓውደ ምርኢት ስታርት ኣፕ ኢትዮጵያ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 900 ስታርት ኣፓት ዝሳተፉሉ ዓውደ ምርኢት ስታርት ኣፕ ኢትዮጵያ ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ተኸፊቱ።

ንሰለስተ ሰሙን ዝፀንሕ እቲ ዓውደ ምርኢት÷ ቀዳማይ ደረጃ፣ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሳገሩን ናብ ዕዳጋ ናይ ምፅምባር ደረጃ ዝበፅሑን ስታርት ኣፓት ስረሖም ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃያት ካሚል፣ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እቲ ዓውደ ምርኢት ተኸፊቱ ዘሎ፡፡

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.