Fana: At a Speed of Life!

ዕላዊ ርኽክብ ሰርተፊኬት መረጋገፂ ትሕዝቶ ሓረስቶት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)3 ሺሕን 451 ንዝኾኑ ሓረስቶት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ርኽክብ ሰርተፊኬት መረጋገፂ ትሕዝቶ ሓረስቶት ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ርኽክብ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ከተማ ተረኺቦም፡፡

እቲ ስነ-ስርዓ ርኽክብ መረጋገፂ ትሕዝቶ እናተኻየደ ዝርከብ÷ ኣብ ትሕቲ እታ ከተማ ካብ ዝርከባ ክፍለ ከተማታት ተመዝጊቦም ንዝተፈለዩ 3 ሺሕን 451 ሓረስቶት ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቶም ሓረስቶት ድማ ካብ ክፍለ ከተማ ለሚኩራ 1 ሺሕን 446 ፣ ካብ ቦሌ 819፣ ካብ ኣቃቂ ቃሊቲ 692፣ ካብ የካ 268፣ ካብ ኮልፌ ቀራኒዮ 156 ከምኡ እውን ካብ ንፋስ ስልክ ላፍቶ 74 ዝኾኑ ሓረስቶት ከምዝኾኑ ካብ ኮሙኒኬሽን ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.