Fana: At a Speed of Life!

ዕዉት ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ንኽህሉ ዜጋታት ናብ ሓደ ዘተኣኻኽብ ዓብዪ ተረኽ የድሊ – ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕዉት ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ንኽህሉ ዜጋታት ናብ ሓደ ዘተኣኻኽብ ዓብዪ ተረኽ ከምዘድሊ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ ገፆም።

ዓብዪ ጉዳይ እዚ ቅለ ኣብ ዝኾነ ‘ዓብዪ ተረኽ’ ጠሚቶም ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒዝ ዝገበሩ ኣይተ ተስፋዬ ቤልጅጌ ከምዝገለፁዎ÷ ዝተዛበዐ ተረኽ ምእራም ንሃገር ከብፀገም ዘውፅእ ኢዩ።

ዕዉት ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ንኽህሉ ቁልፊ መሳርሒ ካብ ሞንጎ ዝበሃሉ ሓደ መተኣኻኸቢን ንኹሎም ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ሓደ ንኽመፅኡ ዘኽእለ ተረኽ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እዚ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዝተቓነዐ ንኽኸውነ÷ ዘረዳድእ ተረኽ ክህሉ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ጫፍ ዝሓዙ ተረኻት ከምዝነበሩ ብምሕባር÷ በዞም ዝተረሓሓቑ ተረኻት ምኽንያት ሃገር ንፀገም ተቓሊዓ ምፅናሓ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ንዜጋታት ናብ ሓደ ዘተኣኻኽብ ሓበራዊ ዝኾነ ዓብዪ ተረኽ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.