Fana: At a Speed of Life!

ዕዳጋ ቀረብ ሓይሊ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቁፅፅር ኣባል ሃገራ ”ብሪክስ” ክውዕል ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ዕዳጋ ቀረብ ሓይሊ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቁፅፅር ኣባል ሃገራ ”ብሪክስ” ከምዝውዕል በቲ ዓውዲ ዝወፅ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ፍርቂ ዝኸውን ቀረብ ዕድጊት ነዳዲ ዓለም ከምዝቆፃፀር እውን ኢንፎ ቴክ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ዘውፀኦ ቁፅሪ ሓበሬታ ኣፍረይቲን ለኣኽቲን ነዳዲ ዘይቲ ሃገራት ብምፅራሕ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ጉጅለ ሕዚ ሕቶአን ዝተቐበለን ሽዱሽተ ሃገራት ብቐዋምነት እንተኣካቲቱ÷ ፍርቂ ዝኸውን ፍርያትን ክዙንን ነዳዲ ዘይቲ ክቆፃፀር ከምዝኽእል እውን ተሓቢሩ፡፡

እተን ሃገራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ቀወምቲ ኣባላት እንትኾና÷ ምስ መስረትቲ ተደሚረን 39 ሚኢታዊ ነዳዲ ዓለም ወፃኢ ንግዲ ከምዘኽእለንን 47 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ዝኸውን ነዳዲ ዘይቲ ዓለም ኣብተን ሃገራት ከምዝፈሪ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ሕቶ ኣባልነት ዘቕረበት ቬኔዙዌላ ተቐባልነት እንተረኺባ ድማ ፅዕንቶ ፈጣራይነት እተን ኣባል ሃገራት ከምዘድንፍዖን ክዙን ነዳዲ ኣባል ሃገራት 65 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዝኸውን ክፋል ዓለም ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.