Fana: At a Speed of Life!

ዘመናዊ ድኹዒ ሓመድ ናብ ውሽጢ ዓዲ ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ግልጋሎት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ን2012 ዓ.ም እታወት ሕርሻ ዝኸውን ዘመናዊ ድኹዒ ሓመድ (መዳበርያ) ናብ ውሽጢ ዓዲ ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ምድላው ምዝዛሙ ገሊፁ።

እቲ ትካል፥ ነቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ዝውዕል እታወት ሕርሻ ዘመናዊ ዱኽዒ ሓመድ ካብ ወፃኢ ሃገራት ናብ ወደብ ጅቡቲ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕቲ ከምዝጀመረ እውን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ድማ፥ መዳበርያ ዝፀዓነት ፈላመይቲ መርከብ ትማሊ ዕለት 28 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ኣብ ወደብ ጅቡቲ ምብፃሓ ተገሊፁ።

እታ መርከብ ካብ ግብፂ ወደብ ኣዲባይ ዝፀዓነቶ 50 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዩሪያ መዳበርያ፥ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ምርጋፍ ከምዝጀመረት እውን እቲ ትካል ሓቢሩ።

እብ ዝቕፅል ሰሙን ድማ፥ ዘመናዊ ድኹዒ ሓመድ (መዳበርያ) ዝፀዓና ክልተ መራኽብ ካብ ሞሮኮ ወደብ ጆርፍ ላስፈር ናብ ወደብ ጅቡቲ ክኣትዋ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ትካል ግልጋሎት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስንባሕሪ ኢትዮጵያ፥ ነቲ ፅዕነት ብዝተቐላጠፈ መገዲ ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ውሽጢ ሃገር ንምጉዕዓዝ ዘኽእሎ ምድላው ምዝዛሙ ገሊፁ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.