Fana: At a Speed of Life!

ዘተ ከንቲባታትን ዘፈር ውልቀን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28በ ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ፈላማይ ዘተ ከንቲባታትን ዘፈር ውልቀን ይሳለጥ ኣሎ።

ከንቲባታትን ዘፈር ውልቀን ኣብ ሓደ ዘተኣኻኸበ ሃገር ለኸ ኣኼባ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፥ እቲ ኣኼባ ብዕሊ ኣጀሚረንኦ፡፡

“ግደ ከተማታት ንምስፍሕፋሕ ንግዲ፤ ወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያ” ብዝብል ርእሲ ዝካየድ እቲ ኣኼባ፥ ንኽልተ መዓልቲ ከምዝፀንሕ ተገሊፁ፡፡

ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ከንቲባታት፣ ኣካላት ዘፈር ውልቀ፣ ሙሁራትን ዓለም ለኸ ልምዲ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ኣካላትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት መፅናዕታዊ ፅሑፋትት ክቐርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.