Fana: At a Speed of Life!

ዘፈር መዓድን ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ሃገር ዕዙዝ ግደ ክህልዎ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር መዓድን ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ሃገር ዕዙዝ ግደ ክህልዎ መሰረት ዘቐምጡ ተግባራት እናተወገኑ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር መዓድን ገሊፁ፡፡

ቀንዲ ትኹረት ዘፈር መዓድን ሸርፊ ወፃኢ ምምፃእ፣ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ምትካእን ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ከምዝኾነ ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ገሊፆም፡፡

ፍርያት ወርቂ ሓዊሱ ካልኦት መዓድናት ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ዘዕግቡ ተግባራት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

“ብባህላዊ መገዲ ካብ ዝፈሪ ወርቂ ብተወሳኺ ብብርኪ ፋብሪካ ብፅሬትን በዝሒን ንኽፈሪ እናተሰርሐ ይርከብ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትሩ፥ ነዚ ድማ ናብ ሓሙሽተ ዝፅግዑ ፋብሪካታት ህንፀቶም ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ ኣፍሊጦም፡፡

ከም እምኒ ፈሓምን ሲሚንቶን ዝበሉ መዓድናት ኣብ ውሽጢ ሃገር እናፈረዩ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.