Fana: At a Speed of Life!

ዘፈር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ንመመሓየሺ ፕሮግራም ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ናይ ምድጋፍ ልእኽቱኡ ንኽዋፃእ ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስትር ዶክተር በለጠ ሞላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ንመመሓየሺ ፕሮግራም ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ናይ ምድጋፍ ልእኽቱኡ ንኽዋፃእ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ምን ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ኣብ ዝምልከትን ምስ ኣመራርሓታት ሓለፍቲ ቢሮ ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን መድረኽ ዘተ ኣካይዱ፡፡

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ፥ እቲ መድረኽ ሃገራዊ ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ኢትዮጵያ ብብዙሓት ፈተናትን ማሕለኻታትን ትኹን እምበር መንግስቲን ክልላትን ብምትሕስሳብን ብምቅርራብን እንተሰሪሖም ፀገማት ምስጋር ይከኣል ኢዩ ኢሎም።

ፀገማት ምስጋር ዝከኣል ፍልጠት ዝመርሖ ስርዓት ኣሰራርሓ እንትዓስል ከምዝኸነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ድማ ፍልጠት ተኮር ዝኾኑ መፍትሒታት ንምምፃእ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ንክልላት ዓቕሚ ዝኾኑ ስራሕቲ ማዕቐፍ ፖሊሲ፣ ሕጊን ንትልሚ 2015 መበገሲ ዝኾኑ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ገሊፆም።

ኣብቲ ዓውዲ ከም ሃገር ዝተውሃቦ ትኹረት ኣብ ኩሎም ክልላት ስለዘይተውሃበ ኩሎም ኣካላት ትኹረት ንኽህቡሉ እቲ ሚኒስቴር ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ምግላፆም ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.