Fana: At a Speed of Life!

ዜሌንስኪ ለውጢ ሚኒስትር ምክለርኻል ከምዝገብሩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዜሌንስኪ ንሚኒስትር ምክለርኻል ኣሌክሲ ሬዝኒኮቭን ብሓዱሽ ሚኒስትር ከምዝትክኡዎም ኣፍሊጦም፡፡

ውሳነኦም ንቤት ምኽሪ እታ ሃገር ከምዘቕርቡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ምሕባሮም እውን ዋን ኢንዲያ ፀብፂቡ፡፡

ሓላፊ ፈንድ ንብረት ዩክሬን ብምዃን እናገልገሉ ዝርከቡ ሩስቴም ኡሜሮቭ ነቶም ሚኒስትር ብምትካእ ከምዝሽወሙ ተሓቢሩ፡፡

ፕሬዚዳንት ዜሌንስኪ÷” ኣብዚ ውሳነ ዝበፃሕኹ ሚኒስቴር ምክልኻል ምስ ሓይሊ ጦርን ሕብረተሰብን ምርድዳእ ዝፈጥረሉ መገዲ ብሓዱሽ ኣቀራርባን ቅርፂን ምቕያር ስለዘድለየ ኢዩ” ኢሎም።

ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ሓሳቦም ደጊፉ ንዘቕርቡዎም ሓገዙ ከምዝህብ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.